- ቤት ጽሕፈት ውህደት ወጻእተኛታትን ቃልሲ ኣንጻር ዓሌታውነትን (Le Bureau de l’intégration des étrangers et de la lutte contre le racisme (BI))
ኣብ canton du Jura፣ እዚ ቤት ጽሕፈት'ዚ ፖሊሲ ውህደት ወጻእተኛታት ከምኡ'ውን ኣንጻር ዓሌታውነት ዝካየድ ቃልሲ ይፍጽም።
እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ፣ ምምሕዳር፣ ትካላትን ማሕበራትን ዝርከብ ናይ ርክብ ማእከል እዩ።
እዚ ቤት ጽሕፈት ኣካል ናይ ማሕበራዊ ንጥፈታት ኣገልግሎት ኮይኑ፣ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት canton du Jura (Département de l'intérieur du canton du Jura) ይርከብ።
- ናይ Jura ማሕበር ምቕባል ስደተኛታት (L’Association Jurassienne d’Accueil des Migrants (AJAM))
ሓተቲ ዑቕባ ናብ AJAM (ናይ ስደተኛታት ፍቓድ B፣ F፣ N ከምኡ‘ውን S) ይኣትዉ።
AJAM ኣብ canton du Jura ኣብ ሓድሽ ህይወቶም ይስንዮም እዩ።
እዚ ማሕበር እዚ ሰባት ይሕግዝ፦
- ሕክምናዊ ክንክን ንምርካብ
- ስራሕ ንምርካብ
- መንበሪ ገዛ ንምርካብ
- ከምኡ‘ውን ምስ ናይ Jura ማሕበራዊ ህይወት ውህደት ንክፈጥሩ።
canton du Jura ነዚ ስራሕ ናብ AJAM ኣመሓላሊፉዎ ኣሎ።
AJAM ንማእከል ምትብባዕን ስልጠናን ንደቂ ኣንስትዮን ስድራቤትን (Centre d’Animation et de Formation pour Femmes et Familles (CAFF)) ከምኡ'ውን ማእከል ጥዕና ማሕበረሰብ (la Maison de Santé Communautaire (MdSC)) ይከታተል።