ፈረንሳይኛ ምምሃር

ምምሃር ፈረንሳይኛ ንሕድሕድኩም ንምርድዳእ፣ ስራሕ ንምርካብ ወይ ስልጠና ኣገዳሲ እዩ። መዓልታዊ ጸገማት ንምፍታሕ እውን ይሕግዝ እዩ።

ኣብ አውራጃ Jura ዝርከብ ትምሕርትታት ፈረንሳይኛ

ፕሮግራም COMUNICA ንወጻእተኛታት ካብ ጀመርቲ (A1) ክሳብ ምዕቡል (B2) ደረጃ ትምሕርቲ ፈረንሳይኛ ይህብ። እቶም ትምሕርትታት ክባራት አይኮኑን። ኣብ መደብ COMUNICA፣ ፊደላትና ዘይፈልጡ ወይ ንባብ ወይ ምጽሓፍ ዝጽገሙ ሰባት ዝኸውን ትምሕርትታት እውን ኣሎ፦ ማለት ትምህርቲ ምጽሓፍን ምንባብን እዩ።

ገሊአን ምምሕዳራት ከተማ እተወሰነ ኽፍሊት ምዝገባ ይኸፍላ እየን።

ማእከል ንጥፈታትን ስልጠናን ደቂ ኣንስትዮን ስድራቤታትን ( Centre d’animation et de formation pour femmes et familles, CAFF) ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ቋንቋ ፈረንሳይኛ ትምሕርትታት ይህብ፣ ኣብ ቦታኡ ድማ ክንክን ህጻናት ኣለዎ። እቶም ትምሕርትታት ክባራት አይኮኑን።

ኣብቲ ከባቢ ካልኦት ናይ ፈረንሳይኛ ትምሕርትታት ኣለዉ።

AJAM ብፍላይ ካብ ዑቕባ ንዝመጹ ሰባት ቋንቋ ትምሕርትታት የቕርብ

ኣብ ምንታይ ደረጃ ፈረንሳይኛ?

ሓደ ሰብ ዘለዎ ደረጃ ፈረንሳይኛ ንምውሳን መብዛሕትኡ ግዜ እቲ "ሓባራዊ ናይ ኣውሮጳ መወከሲ ቛንቋታት - ትምሕርቲ ገምጋም (CEFR)" ተባሂሉ ይጽዋዕ።

እዚ ማዕቀፍ ካብ ደረጃ A1 (ጀማሪ) ናብ ደረጃ C2 (ፍጹም ምልከት) ይኸይድ። ሞያዊ ስልጠና ንምክትታል መብዛሕትኡ፣ ግዜ ደረጃ B1 ወይ B2 ክህልወኩም ኣለዎ።

እቲ "fide" ዝብል ፈተና ንመዓልታዊ ህይወት ስዊዘርላንድ ደረጃ ቋንቋ ፈረንሳ ዝዕቅን እዩ። ደረጃ ኣፋዊ ቋንቋ (ዘረባ)ን ጽሑፋዊ ቋንቋን ይፍትን። እቲ ውጽኢት ኣብ "ናይ ፓስፖርት ቋንቋ (Passeport des langues) " እዩ ዝወሃብ። እዚ ፓስፖርት እዚ ስራሕ ንምርካብ፣ መንበሪ፣ ወይ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ንምሕታት፣ ወይ ዜግነት ስዊዘርላንድ ንምርካብ ክተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ፈረንሳይኛን ሕፃናትን

ቋንቋ ወጻኢ ዝዛረቡ ቖልዑ ብእተኻእሎም መጠን ኣቐዲሞም ምስቶም ፈረንሳይኛ ዝዛረቡ ቖልዑ ክራኸቡ ኣለዎም። ቅድሚ ናብ ቤት ትምሕርቲ ምኻዶም ፈረንሳይኛ ክመሃሩ ኣገዳሲ እዩ። መውዓሊ ሕፃናት፣ ኣባይቲ ሕፃናት ወይ ንወለድን ንውሉዳትን ዝኸውን ፍሉይ ኣጋጣሚታት ጽቡቕ እዩ።

ወለዲ ምስ ውሉዳቶም እውን ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ ብዙሕ ክጥቀሙ ኣለዎም። እዚ እውን ኣገዳሲ እዩ።

ንኣብነት፦ ምስ ቖልዑ ብዙሕ ምዝርራብ፣ ጽን ኢልኩም ምስማዕ፣ ዛንታታት ብቛንቋኦም ምንጋር።

ኣብ ቤት ትምሕርቲ ዝርከቡ ቖልዑ እውን ብቛንቋኦም ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም። እዚ ትምሕርትታት እዚ ቋንቋን ባህልን፦ መበቖል ትምሕርትታት (LCO ትምሕርትታት) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዞም ትምሕርትታት እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ብኤምባሲ ወይ ቆንስል ወይ ብማሕበር ናይታ መበቆል ሃገር ዝዳለዉ እዮም።

ኣብያተ - ትምሕርቲ ብዛዕባ ትምሕርትታት LCO ኵሉ ሓበሬታ ይህባ እየን።