ዘይተጻሕፈ ሕግታትን ፍሉይነታትን ስዊዘርላንድ

ነፍሲ ወከፍ ሃገር ባህላዊ ፍሉይነታ ኣለዋ። ኣብ ስዊዘርላንድ እውን ገሊኦም ዘይተጻሕፉ ሕግታት ኣለዉ።። ምሕላዎም ኣገዳሲ እዩ።

ዝተፈላለየ ባህልታት

ስዊዘርላንድ ዝተፈላለየ ዞባታትን ኣርባዕተ ሃገራዊ ቋንቋታትን ባህላዊ ብዙሕነት ዘለዋ ሃገር እያ። እቲ ኣተሓሳስባታት ብዞባ ይፈላለ እዩ። ፍሉይነት ናይ ፈረንሳ ተዛረብቲ ስዊዘርላንድ ን ጀርመን ወይ ጥልያን እትዛረብ ስዊዘርላንድ ክምልከት ግድን ኣይኮነን። ኣብ ከተማን ገጠርን ዘሎ ፍልልይ እውን ዓብዪ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ተመሳሳልነት ኣሎ፤

ሰላምታ

ኣብ ስዊዘርላንድ ንሰባት ሰላምታ ክህቡ እንከለዉ፡ ሰባት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ኣብ ኣዒንቲ ይጥምቱ: ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከይተረፈ። ኣብ ካንቶን ዩራ ልሙድ ሰላምታ (Bonjour) (ከመይ ሓዲርኩም) እዩ፣ ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ ግን (Salut) (ሰላም) ክትብል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገጠራት መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ዋላ ንዘይፈልጥዎ ሰብ ኣብ ጽርግያ ሰላም ይብሉ።

(Merci) (የቐንየለይ): (De rien) (ገንዘብካ/ኪ) ዝብሉ መግለጺታት’ውን ኣብ ድኳናትን ቤት መግብታትን ኣገደስቲ እዮም።

ሰዓት ምሕላው

ሰዓት ምሕላው ማለት ዘይምድንጓይ ማለት እዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ሰዓት ምሕላው ከም ስነ ስርዓት ይቑጸር።

ልዕሊ 5 ደቒቕ እንተ ደንጉኻ ብተሌፎን ወይ ብመልእኽቲ ቴክስት ክትሕብር ይግባእ ። ብፍላይ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ሰዓት ምሕላው ዓቢ ተራ ኣለዎ።

ክትራኸብ እንተደሊኻ መብዛሕትኡ ግዜ ኣቐዲምካ ትቋጸር።

ኣብ ናይ ብሕቲ ርክባት ከይተረፈ ከይሓበርካ ምብጻሕ ልሙድ ኣይኮነን።