ውልቃዊ ተሓታትነት
ብጌጋ ንኻልእ ሰብ እንተጎዲእካ ወይ ንብረቱ እንተ ኣበላሽኻዮ፡ ብገንዘብ ተሓታቲ ኢኻ። ንኣብነት ስፖርት እንዳገበርካ ንሓደ ሰብ እንተ ጎዲእካዮ እቲ ወጻኢታት ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ይኽእል እዩ። መድሕን እንተዘይብልካ ድማ ባዕልኻ ክትከፍል ክትግደድ ኢኻ።
ኩሉ ልዕሊ ዕድመ ናይ ተሓታትነት መድሕን ክገብር ኣለዎ። ብጌጋ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ጉድኣት እንተ ኣጋጢሙካ: እቲ መድሕን ነቲ ወጻኢታት ክሽፍኖ እዩ።
ብጌጋ ንኻልእ ሰብ እንተጎዲእካ ወይ ንብረቱ እንተ ኣበላሽኻዮ፡ ብገንዘብ ተሓታቲ ኢኻ። ንኣብነት ስፖርት እንዳገበርካ ንሓደ ሰብ እንተ ጎዲእካዮ እቲ ወጻኢታት ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ይኽእል እዩ። መድሕን እንተዘይብልካ ድማ ባዕልኻ ክትከፍል ክትግደድ ኢኻ።
ጉድኣት ወይ ዕንወት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ናይ ተሓታትነት መድሕን ምህላው ኣገዳሲ እዩ። እቲ መድሕን ንዓቢ ክፋል ናይቲ ወጻኢታት ይሽፍን። መብዛሕትአን ናይ ብሕቲ ናይ መድሕን ትካላት ነዚ መድሕን ይህባ። ኣብ ሓደ ገዛ ንዝነብሩ ኩሎም ሰባት ይምልከት።
ናይ ተሓታትነት መድሕን ግዴታ ኣይኮነን፣ ግን ብትሪ ይምከር።
እዚ መድሕን እዚ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ንዝበጽሕ ዕንወትን (ኣብ ንብረት) ውልቃዊ ጉድኣትን (ኣብ ሰባት) ዝሽፍን እዩ።
እዚ ድማ ወጻኢታት ጽገና፡ ወጻኢታት ሕክምና፡ ካሕሳ ዝኸሰረ ደሞዝ ወይ ካሕሳ ቃንዛን ስቓይን የጠቓልል። ኣብ እንስሳ ዘቤት ዝወርድ ጉድኣት እውን ክሽፍን ይኽእል። እንተኾነ ግን እቲ ጉድኣት ኣብ ሓደ ገዛ ንዝነብሩ ሰባት ዝምልከት እንተኾይኑ እቲ መድሕን ኣይከፍልን እዩ። ኮነ ኢልካ ወይ ብዓቢ ሸለልትነት ዝበጽሕ ጉድኣት እውን ኣይሽፈንን እዩ።