ብባቡርን ኣውቶቡስን

ኣብ ስዊዘርላንድ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣዝዩ ጽቡቕ ምዕባለ ኣለዎ። ዳርጋ ናብ ዝኾነት ከተማ ወይ ክልል ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም። ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ብተደጋጋሚ ይጓዓዙ። ኣብ ግዜ ድማ ይመጹ።

ህዝባዊ መጓዓዝያ

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብዙሓት ሰባት ብባቡር ወይ ብኣውቶቡስ ይጓዓዙ። ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ወይ ክልል ኣብ ሓደ ሰዓት ብዙሕ ግዜ ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም። ትኬታት ኣዝዩ ክባር እዩ። ገንዘብ ንምቑጣብ ግን ሓያሎ መገድታት ኣለዉ፣ ቅናሽ ዘለዎ ትኬት ወይምዝገባታት።

ብ CFF ½ ክፍሊት ምዝገባ ኣብ ምሉእ ስዊዘርላንድ ብ½ ዋጋ ክትጉዓዙ ትኽእሉ ኢኹም።

ትኬታትን ምዝገባታትን

ብባቡር ክትጉዓዙ፣ ቅድሚ ምብጋስ ትኬት ክትዕድጉ ኣለኩም። ኣብ ባቡር ትኬት ክትዕድጉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

ኣብ ኣውቶቡሳት፣ ኣብ ኣውቶቡስ ትኬት ምዕዳግ ይከኣል እዩ።

ኣብ ኩለን ጣብያታት ባቡር ናይ ትኬት ማሽናት ይርከባ። ኣብ ዓበይቲ መደበራት ባቡር እውን ናይ ትኬት ቆጸራታት ኣሎ። ብተወሳኺ ብኢንተርነት ኣብ መርበብ ሓበሬታ CFF ወይ ብሞባይል ትኬት ክትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም።

ሳላ ዝተፈላለዩ መተግበሪታት (CFF Mobile፣ FAIRTIQ) ትኬታት ብሞባይል ምዕዳግ ቀሊል እዩ።

ብዙሕ ግዜ ብባቡር ወይ ኣውቶቡስ ንዝጉዓዙ ዓበይቲ ሰባት

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምዝገባታት ኣለዉ፦

  • ንሓደ ፍሉይ መስመር (ንኣብነት፦ ካብ ገዛ – ስራሕ ቦታ) ዝኸውን ምዝገባ
  • ንሓደ ፍሉይ ዞባ ዝኸውን ምዝገባ (ንኣብነት፣ ኣብ ዞባ Jura ዝርከብ መርበብ Vagabond (ቫጋቦንድ))
  • ናይ ምሉእ ስዊዘርላንድ ምዝገባ (ናይ CFF ሓፈሻዊ ምዝገባ)

ምዝገባታት ናብ ካልእ ሰብ ክመሓላለፉ ኣይክእሉን እዮም።

እቲ ምዝገባ ዝሓዘ ሰብ መንነቱ ከረጋግጽ ክኽእል ኣለዎ (ናይ ቲኬት ተቘጻጻሪ እንተሓቲትዎ መንነቱ ከርኢ ይግባእ) ።

ንህጻናት

ክሳብ 6 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ብነጻ ይጓዓዙ።

ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ብውሑድ ዋጋ ክጓዓዙ ይኽእሉ እዮም።

ንኣብነት፣ ምስ ወላዲኦም እንተኾይኖም፣ ምስ "ጁኒየር" ካርድ፣ ወይ ምስ ካልእ ዓቢ ሰብ እንተኾይኖም፣ ምስ "ተጓዒዙ ዝመጽእ ቆልዓ" ካርድ።

ብዛዕባ ትኬታትን ምዝገባታትን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ Chemins de fer fédéraux (CFF፣ ስዊዘርላንድ ፈደራላዊ ባቡር)፣ ናይ Chemins de fer du Jura (CJ፣ ናይ Jura ባቡር) ወይ ናይ ኣውቶቡስ ኩባንያ (Mobiju) ወይ ድማ ብቐጥታ ኣብ ናይ ባቡር ጣብያታት ኣብ ዝርከብ ናይ ትኬት ቤትጽሕፈት ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ካንቶን Jura፦ መርበብ Vagabond

ኣብ ካንቶን Jura ብነጻነት ንምጉዓዝ መሕለፊ ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ድማ፦ ናይ Vagabondተ መርበብ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ብመሰረት ድሌታትኩም፣ ንሓደ ወይ ንብዙሕ ዞባታት ትኣትውዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ንሓደ ወርሒ ወይ ዓመት ምሉእ ክትጉዓዙ ትኽእሉ ኢኹም።

ካብቲ ዝተመርጸ ዞባታት ወጻኢ ትጓዓዙ እንተኾይንኩም ካልእ ትኬት ክትገዝኡ ኣለኩም።

ናይ ምምሕዳር ከተማ ናይ መዓልቲ መሕለፊ

ኣብ ስዊዘርላንድ ን 1 መዓልቲ ብነጻ ንምጉዓዝ፣ ቅናሽ ዘለዎ ናይ መዓልቲ ትኬት ክትገዝኡ ትኽእል ኢኹም። እዚኦም ኣብ ብዙሓት ኮሙናት ብዝተቐነሰ ዋጋ ይርከቡ። ንዝያዳ ሓበሬታ ምስቲ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ኮሙን ተወከሱ።

ልዑል ጠለብ ስለዘለዎም፣ ኣቐዲምኩም ቦታ ምሕዛዝ ዝበለጸ እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፌደራላዊ ባቡር ስዊዘርላንድ CFF ቅናሽ ዘለዎም ትኬት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ፣ ኣቐዲምኩም ብዝገዛእኹም መጠን ዋጋኦም ይንኪ።

ናይ ለይቲ ኣውቶቡስ

ኣብ ካንቶን Jura፣ ዝተወሰኑ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ኣብ ናይ ሰሙን ዕረፍቲ ክሳብ ምሸት ይጉዓዛ። እዚኣተን ናይ ለይቲ ኣውቶቡሳት እየን።

ኣብ ናይ ለይቲ ኣውቶቡሳት ስሩዕ ትኬት፣ ናይ ½ ታሪፍ ዋጋ ትኬት፣ ናይ ሓፈሻዊ ትኬት (GA)፣ ናይ ለይቲ ትኬት (GA)፣ ወይ ናይ Vagabond ትኬት ቅቡል እዩ።

ተወሳኺ ክፍሊት ኣየድልን።