ናይ ክራይ ውዕል
ብሓፈሻ፣ እቲ ወናኒ ገዛ (ባዓል ዋና ወይ ትካል ንብረት) ከምኡ'ውን እቲ ተኻራያይ ብጽሑፍ ናይ ክራይ ውዕል ይፈራረሙ። በዚ ድማ ውዕል ክራይ ይኣትዉ። ውዕል ክራይ ብኣፍ ክግበር እውን ይከኣል እዩ፣ እዚ ግን ኣይምከርን። ኣብ ኩሉ ኩነታት፣ እቲ ሕጊ (ናይ ስዊዘርላንድ ሕጊ ግዴታታት) መንበሪ ገዛ ኣብ እትካረዩሉ እዋን ክኽበሩ ዘለዎም መሰላትን ግዴታታትን ይገልጽ።
ኣፓርታማ ዝካረዩ ሰባት (ወናኒ ገዛን ተኻራያይን) መሰላትን ግዴታታትን ኣለዎም። ንኣብነት፣ እቲ ወናኒ ገዛ ወይ ትካል ንብረት ብሓፈሻ ብዘይ ምፍላጥ ነቲ ናይ ኣፓርታማ ክራይ ናይ ምቁራጽ መሰል የብሉን። ተኻረይቲ ግን ናይ ክራይ ሕግታት እውን ክኽተሉ ኣለዎም።
ብሓፈሻ፣ እቲ ወናኒ ገዛ (ባዓል ዋና ወይ ትካል ንብረት) ከምኡ'ውን እቲ ተኻራያይ ብጽሑፍ ናይ ክራይ ውዕል ይፈራረሙ። በዚ ድማ ውዕል ክራይ ይኣትዉ። ውዕል ክራይ ብኣፍ ክግበር እውን ይከኣል እዩ፣ እዚ ግን ኣይምከርን። ኣብ ኩሉ ኩነታት፣ እቲ ሕጊ (ናይ ስዊዘርላንድ ሕጊ ግዴታታት) መንበሪ ገዛ ኣብ እትካረዩሉ እዋን ክኽበሩ ዘለዎም መሰላትን ግዴታታትን ይገልጽ።
ብሓፈሻ፣ እቲ ክራይ፣ ናይ ጽሩይ ክራይ ገዛን መገልገሊታትን (መሞቒ፣ ውዑይ ማይ ወዘተ) ዘጠቓልል እዩ። መገልገሊታት ኣብቲ ናይ ክራይ ስምምዕ ብንጹር ክግለጹ ኣለዎም። እቲ ተኻራዪ ኣብ መወዳእታ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፣ ንዝቕጽል ወርሒ ክራይ ክኸፍል ኣለዎ።
መብዛሕትኡ ግዜ፣ እቲ ወናኒ ገዛ ኣብ ርእሲ እቲ ክራይ ገዛ ውሕስነት ገንዘብ (ዋሕስ እውን ይበሃል) ይሓትት እዩ። እዚ ሓደ ግዜ ጥራይ ክኽፈል ዘለዎ፣ ኣብ ናይቲ ክራይ መጀመርታ።
ብሓፈሻ እቲ ናይ ውሕስነት ገንዘብ ማዕረ ናይቲ ክራይ ገዛ 3 ዕጽፊ እዩ።
ንኣብነት፣ ኣፓርታማ ብ 1000 Fr. ትካረዩ። ምስ ናይ ቀዳመይቲ ወርሒ ክራይ ገዛኹም ተወሳኺ 3000 Fr. ናይ ውሕስነት ገንዘብ ክትከፍሉ ክትግደዱ ኢኹም።
ዕላማ ናይ'ቲ ናይ ውሕስነት ገንዘብ እንታይ እዩ?
ካብዚ ኣፓርታማ ክትወጹ ከለኹም፣ ነቲ ቀጽሪ እንተ ኣበላሽኹምዎ፣ እቲ ተቐማጢ ገንዘብ ንጽገናታት ንምኽፋል ክውዕል እዩ።
ኩሉ ነገር ቅኑዕ እንተኾይኑ፣ እዚ ገንዘብ ክምለሰልኩም እዩ።
ዝለዓለ ክራይ ገዛ።
እቲ ወናኒ ገዛ ዝለዓለ ክራይ ክሓትት ዝኽእል፣ ግቡእ ምኽንያታት ምስ ዝህልዎ ጥራይ እዩ።
ክራይ ገዛ እንተወሲኹ፣ ነቲ ውእሰኽ ኣጸቢቖም ኣቐዲሞምን ብጽሑፍን፣ እንተወሓደ ቅድሚ እቲ ናይ ምልክታ ግዜ ምጅማሩ 10 መዓልታት፣ ወግዓዊ ቅጥዒ ተጠቒሞም ከፍልጡ ኣለዎም። እቲ ተኻራያይ እቲ ወሰኽ ዘይፍትሓዊ እዩ ኢሉ እንተኣሚኑ፣ ነቲ ወሰኽ ክኣብይን ተቓውሞ ከቕርብን ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ድማ ነቲ ተቓውሞ ብጽሑፍ ናብ ቦርድ ዕርቂ ወረዳ ከቕርብ ኣለዎ።
ናብ ሓድሽ ኣፓርታማ ክትግዕዙ ከለኹም፣ ንብረት ምምላእ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ንምግባር፣ እቲ ወናኒ ገዛ ከምኡ'ውን ተኻራያይ ነቲ ኣፓርታማ ብሓባር ይምርምርዎ። ንዝኾነ ዝረኣይዎ ጉድኣት ዝርዝር ይገብሩ፦ እንታይ ከምዝተሰብረ፣ እንታይ ከምዘይሰርሕ።
እቲ ተኻራያይ ክወጽእ ከሎ፣ እዚ ዝርዝር እዚ ነዚ ዕንወት ተሓተትቲ ከምዘይኮኑ ዘርኢ እዩ። ስለዚ ነዚ ክኸፍሉ ኣይክግደዱን እዮም።
እዚ ዝርዝር ኣገዳሲ እዩ፣ ስእሊ ወሲድኩም ንመዝገብኩም ሓዝዎ።
እቲ ተኻራዪ እንስሳ ዘቤት እንተለሃልይዎ፣ ኣቐዲሙ ነቲ ወናኒ ገዛ ክሕብረሉ ኣለዎ።
እቲ ወናኒ ገዛ ክቕበሎ ወይ ክነጽጎ ይኽእል እዩ።
ካብ ገዛ ክትወጹ ከለኹም፣ ነቲ ሓድሽ ኣድራሻኹም ንቤት ምኽሪ ከባቢ ከተፍልጡ 2 ሰሙን ኣለኩም።
ኣብ እዋን ክራይ፣ ቀሊል ጽገናታት (ንኣብነት፣ ሓድሽ ናይ ሻወር ቱቦ ወይ ሳሙና መከፋፈልቲ) ብተኻራያይ ይኽፈል።
ንዝያዳ ዓብዪ ጉድኣት (ንኣብነት፣ መሕጸቢ ሳእኒ፣ ፎርኖ ወይ ፍሪጅ)፣ እቲ ወናኒ ገዛ ናይቲ ጽገና ሓላፍነት ይወስድ።
እቲ ተኻራያይ ንጉድኣት ተሓታቲ እንተኾይኑ፣ ባዕሉ ነቲ ጽገና ክኸፍሎ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ናይ ብሕቲ ሓላፍነት መድሕን ክትወስዱ ኣለኩም። እዚ መድሕን እዚ ንገለ ወጻኢታት ይሽፍን። ብዙሓት ወነንቲ ገዛ ተኻረይቲ እዚ መድሕን ክህልዎም ይደልዩ።
ኣብቲ ኣፓርታማ ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ክትገብር እንተደሊኹም (ንኣብነት፣ መንደቕ ምቕባእ)፣ ምስቲ ወናኒ ገዛኹም ክትራኸቡ ኣለኩም።
ኣብቲ ኣፓርታማ ርኡይ ጉድለት እንተሃልዩ (ንኣብነት፣ ኣብ ክዳውንቲ መሕጸቢ ክፍሊ ዝርከብ መሞቒ ወይ መሕጸቢ ማሽን ዘይሰርሕ እንተኾይኑ፣ ካብ ስራሕ ህንጻ ዝመጽእ ድምጺ ወዘተ)፣ እቲ ተኻራያይ ክሳብ እቲ ጽገና ዝውዳእ ክራይ ክቕነስ ክሓትት ይኽእል እዩ።
ASLOCA (Association Suisse des Locataires (ናይ ስዊዘርላንድ ማሕበር ተኻረይቲ)) ንመሰላት ተኻረይቲ ዝጣበቕ ማሕበር እዩ። ኣብ መላእ ስዊዘርላንድ ንጡፍ እዩ።
ኣባል ASLOCA ዝኾነ ተኻራያይ ምስ ወናኒ ገዛ ግርጭት እንተሃልይዎ፣ ሓገዝ ክሓትት ይኽእል እዩ።
ASLOCA ናይ ሕጋዊ ምኽሪ ክፍለ ግዜታት ይህብ። ተኻረይቲ ብዛዕባ ናይ ክራይ ሕጊ ክኢላዊ ምኽሪ ንምርካብ ቆጸራ ክሕዙ ይኽእሉ እዮም።
ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ኣብ FAQ (ብዙሕ ግዜ ዝሕተቱ ሕቶታት) ዝብል ክፋል ናይ መርበብ ሓበሬታኦም ተወከሱ።
ሕቶታትኩም | ASLOCA (FR)
ውዕል ክራይ ክተቋርጹ ኣብ እትደልዩሉ እዋን፣ ናይ ምቁራጽ ምልክታ ክትህቡ ኣለኩም።
ውዕል ክራይ ንምቁራጽ፣ ዝተወሰኑ መዓልታት ክኽበሩ ኣለዎም። እዚ ንኽልቲኦም ተኻራያይን ንወናኒ ገዛን ዝምልከት እዩ።
ብሓፈሻ ኣብ ካንቶን Jura፣ እቲ መደብ ዕለታት 31 መጋቢት፣ 30 ሰነ፣ 30 መስከረም ከምኡ'ውን 31 ታሕሳስ እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ፣ ዝተወሰኑ ናይ ክራይ ውዕላት ካልእ ክሕብሩ ይኽእሉ። መብዛሕትኡ ግዜ፣ እቶም ዕለታት ኣብቲ ውዕል ይግለጹ።
ናይ ምቁራጽ ናይ ምልከታ ግዜ፦ እንተወሓደ ቅድሚ እቲ ናይ ምቁራጽ መዓልቲ 3 ወርሒ ናይ ምብጋስኩም ምልክታ ክትህቡ ኣለኩም።
እቲ ወናኒ ገዛ ነቲ ውዕል ክራይ ምስ ኣቋረጾ (እቲ ተኻራይ ክወጽእ ምስ ዝሓትት)፣ ወግዓዊ ሰነድ ክጥቀሙ ኣለዎም። እዚ ናይ ግድን እዩ።
እቲ ተኻራያይ ክኣቢ ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ናብ ቦርድ ዕርቂ ይግባይ ክብል ይኽእል እዩ።
ቅድሚ እቲ ዝተሰማምዓኩምሉ ዕለት ካብ ኣፓርታኹም ክትወጹ እንተደሊኹም፣ ሓድሽ ተኻራያይ ንወናኒ ገዛ ወይ ንወኪል ክትሕብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ሓድሽ ተኻራያይ ክራይ ክኸፍል ዝኽእል እንተኾይኑን ነቲ ኣፓርታማ ብተመሳሳሊ ኩነታት ክወስዶ እንተደልዩን፣ ቅድሚ እቲ ዝተሰማማዕኹምሉ ዕለት ካብቲ ኣፓርታማ ክትወጹ ትኽእሉ ኢኹም።