ብሃይማኖት ገለልተኛታት እዮም።
ስዊዘርላንድ ክርስትያናዊት ሃገር እያ። ነፍሲ ወከፍ ካንቶን ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ዘሎ ርክብ ይውስን። ክርስትያናዊ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ መብዛሕትአን ካንቶናት ወግዓዊ ተፈላጥነት ኣለወን።
ካንቶን ዩራ ንሮማውያን ካቶሊካውያንን ወንጌላውያን ተሃድሶ (ፕሮቴስታንት) ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍልጦ ይህብ። እዚ ማለት መንግስቲ ዝተወሰኑ መሰላትን ዕማማትን ይህበን ማለት እዩ።
ንኣብነት ካብ ኣባላቶም ግብሪ ክእክቡ ይኽእሉ እዮም።