እንስሳ ዘቤት ምሓዝ
ዝኾነ ኣብ ዝተኻረዮ ኣፓርታማንኣሽቱ እንስሳታት ዘቤት ከም ሓሰማ-ጊኒ፡ ሃምስተር፡ ካናሪ ወይ ዓሳ ክሕዝ ይፍቀደሉ። ዝነብር
ይኹን እምበር ኣካረይቲ ገዛውቲ ኣብቲ ናይ ክራይ ስምምዕ ከም ድሙ ወይ ኣኽላባት ዝኣመሰሉ ዓበይቲ እንስሳታት ምሓዝ ክኽልክሉ ይኽእሉ እዮም። ዓው ዝብሉ/ዝውጭጩ ወይ ሓደገኛታት እንስሳታት እውን ክእግዱ ይኽእሉ እዮም። ቅድሚ እንስሳ ዘቤት ምሓዝካ፡ ካብ ኣካራዪኻ ፍቓድ ክትረክብ ኣለካ።
ብተወሳኺ ወነንቲ እንስሳታት ፌድራላዊ ሕግታት ሓለዋ እንስሳ ክኽተሉ ኣለዎም። ንኣብነት ዝተወሰኑ ዓይነታት እንስሳታት በይኖም ክትሕዞም ኣይፍቀድን እዩ (ንኣብነት ማንትለ) ወይ ኣብ ዓበይቲ ጓጓታት ጥራይ ክትሓዙ ኣለዎም።
ብዙሓት (ናይ ካልእ ሃገር) እንስሳታት ናብ ስዊዘርላንድ ክኣትዉ ፈጺሞም ኣይፍቀድን እዩ። ንኻልኦት ድማ ካብ ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ተጠቀምትን ሕክምና እንስሳን (Service de la consommation et des affaires vétérinaires – SCAV) ፍሉይ ፍቓድ የድሊ።