ምፍላይ ጎሓፍ / ዳግመ ምጥቃም
ነቲ ጎሓፍ ምፍላይ፣ ንከባቢ ንምዕቃብን ገንዘብ ንምቑጣብን ይሕግዝ። ዳግማይ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉን ሓደገኛታትን ጎሓፍ (ወረቐት፣ ባትሪ፣ ብርጭቆ፣ ካርቶን፣ ተኽሊ ንብረት፣ ኣሉሚንየም፣ ብረት፣ ዓለባ፣ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ዘይቲ ወዘተ) ዝተመደቡ መእከቢ ቦታታት ኣለዉ። እዚ ጎሓፍ ኣብ ከረጺት ጎሓፍ ክቕመጥ የብሉን።
ናይ PET ጥርሙዛትን ካልእ መዐሸጊታትን ብነጻ ናብ ድኳናት መግቢ ክምለሱ ይኽእሉ።
ነፍስወከፍ ኮሙን ዝተፈላለዩ ዓይነት ጎሓፍ ንምእካብ መዓልታትን ቦታታትን ዝሓዘ ናይ ምእካብ መደብ ወይ ትልሚ ኣለዎ። እዚ ሰነድ'ዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ሓድሽ ኮሙን ክትምዝገቡ ከለኹም ዝወሃበኩም እዩ።
ጎሓፍ ምንዳድ ወይ ኣብ ተፈጥሮ ይኹን ኣብ ጎደና ምግዳፍ ብጥብቂ ዝተኸልከለ እዩ።