እቲ ቋንቋ

አውራጃ ናይ Jura ፈረንሳይኛ ዝዛረብ አውራጃ እዩ፣ ሰባት ፈረንሳይኛ ይዛረቡ እዮም። ጀርመንኛ ዝዝረበሉ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ጥራይ እዩ ዘሎ፦ Ederswiler። ምስ ካልኦት ሰባት ንምልውዋጥ፣ ስልጠና ንምውሳድ ወይ ስራሕ ንምርካብ ፈረንሳይኛ ምምሃር ኣገዳሲ እዩ።

ቋንቋታት አብ ሲውዘርላንድ

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ 4 ሃገራዊ ቋንቋታት ኣለዉ፦ ፈረንሳይኛ፣ ጀርመን፣ ጣልያንኛን ሮማንሽን። ነፍሲ ወከፍ ዞባ ካብዞም ቋንቋታት ሓደ ወይ ልዕሊኡ ይዛረብ።

ኣብ አውራጃ Jura፣ ፈረንሳይኛ ንዛረብ ኢና። ኣብዘን ዝተፈላለያ አውራጃታት ፈረንሳይኛ እውን ይዝረብ'ዩ ፦ Neuchâtel, Vaud ን Genève። ኣብ አውራጃ Berne፣ Fribourgን Valais፣ ዝነብሩ ሰባት ከከም እቲ ኸባቢ ፈረንሳይኛን ጀርመንኛን ይዛረቡ እዮም። እቲ ፈረንሳይኛ ዝዝረበሉ ክልል ስዊዘርላንድ ፈረንሳይኛ ዝዛረብ ስዊዘርላንድ ወይ ሮማንዲ ይበሃል።

ፈረንሳይኛ

ፈረንሳይኛ ምምሃር ኣብ አውራጃ Jura ንምንባርን ንምስራሕን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ምምሕዳርን ኣብያተ፣ ትምሕርትን መዓልታዊ ሕይወትን ቀንዲ ቛንቋ እዚ እዩ።

ትርጉምን ምትርጓምን

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ምስ ኣተኹም ገና ቋንቋ ፈረንሳ፣ ኣይትዛረቡን ኢኹም ወይ ጽቡቕ ጌሩ ኣይርድኣኩን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፣ ግና ንሕድሕድና ኣጸቢቕና ኽንረዳዳእ ኣለና።

ንቐሊል ኩነታት፣ ኣዕሩኽትኹም፣ ቤተሰብኩም ወይ ኣብ ማሕበረሰብኩም ዘለዉ ሰባት ክትትርጉሙ ክሕግዙኹም ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ንኣገዳሲ ወይ ብሕታዊ ዕላል (ንኣብነት ምስ ሓኪም፣ ኣብ ቤት ትምሕርቲ ወይ ንወግዓዊ ወረቓቕቲ) ግን፣ ንሞያዊ ተርጓሚ ምድዋል ይሓይሽ።

Caritas ስዊዘርላንድ " ንሕድሕድኩም ምርድዳእ (se comprendre)" ኣገልግሎት ሞያውያን ተርጐምቲ የቕርብ።

ተርጐምቲ ማሕበረሰብ እዮም። ገሊኣቶም ካብ ሃገርኩም እዮም መጺኦም ። ቋንቋኹም ይዛረቡ ባህልኹም እውን ይፈልጡ እዮም። ብኣካል ስልኪ፣ ወይ ብቪድዮ እዮም ዝሰርሑ። እዞም ተርጐምቲ እዚኣቶም ኣብ ፍሉይ መስርሕ እውን ክሕግዙኹም ይኽእሉ እዮም ።