ዲፕሎማ ኣፍልጦ ምሃብን ቅድመ ምምሃር (ተመኩሮ) ምጽዳቕን

ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ወጻኢ ሃገር ዲፕሎማታትን ናይ ቤት ትምህርቲ ምዝዛም ምስክር ወረቐትን ኩሉ ግዜ ኣፍልጦ ኣይወሃቦምን እዩ። ንገለ ሞያታት ድማ፣ ዲፕሎማ የድሊ፤ ግዴታ እዩ። ኣብ ገለ ገለ ኩነታት፣ ናይ ወጻኢ ሃገር ዲፕሎማ ኣፍልጦ ክወሃቦ ይከኣል እዩ። ናይ ወጻኢ ሃገር ዲፕሎማኹም ኣፍልጦ ኣይተወሃቦን ድዩ? ወይ ድማ ዲፕሎማ ጠፊኡ ድዩ? ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ እቲ ኣቐዲምኩም እተመሃርኩምዎ ትምህርቲን ተመክሮን ክረጋገጽ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት፦ ሞያውን ውልቃውን ተመኩሮኹም ኣፍልጦ ምህላው።

ናይ ዲፕሎማ ኣፍልጦ፦ ንዝተመሓደሩ ሞያታት

ናይ ወጻኢ ሃገር ዲፕሎማ ኣለኩም ዶ?

ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት፣ ዲፕሎማኹም ኣፍልጦ ክወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ዲፕሎማኹም ኣፍልጦ እንተረኺቡ፣ ምስ ናይ ስዊዘርላንድ ዲፕሎማ ወይ ድማ ምስ ናይ ቤት ትምህርቲ ምዝዛም ወረቐት ማዕረ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ገለ ሞያታት (ኣብ ዓውዲታት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ከምኡውን ሕጊ) ኣብ ስዊዘርላንድ ክትሰርሑ ምእንቲ ክትክእሉ፣ ወግዓዊ ኣፍልጦ ናይ ወጻኢ ሃገር ዲፕሎማ ግዴታ እዩ። እዞም ሞያታት እዚኦም ሓለዋ ኣለዎም።

ንኣብነት፣ ነዞም ዝስዕቡ ሞያታት፦ ሓኪም፣ ነርስ፣ መምህር፣ ወይ ድማ ጠበቓ።

ሓደ ዲፕሎማ ኣፍልጦ ክወሃቦ (ብመስርሕ ኣፍልጦ ዲፕሎማ ክሓልፍ)፣ ክፍሊት ኣሎ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ Reconnaissance.swiss ናይ Secrétariat d’État à la formation, à la recherche et à l’innovation (ስቴት ሴክረትሪያት ትምህርቲ፣ ምርምርን ምህዞን፣ SERI) ብመሰረት ሞያታት ክኽተል ዘለዎ ኣገባብ ይገልጽ። ናይቶም ዝምልከቶም ኣገልግሎታት ርክብ ሓበሬታታት እውን ይህብ።

እቲ ናይ ደረጃ ምስክር ወረቐት፦ ንዘይተመሓደረ ሞያታት

ኣብ ስዊዘርላንድ ንምስራሕ ኣብ ዝበዝሑ ሞያታት ወግዓዊ ኣፍልጦ ግዴታ ኣይኮነን።

ንኣብነት፣ ነዞም ዝስዕቡ ሞያታት፣ ሰራሒ ጸብሒ፣ መካኒክ፣ ክኢላ IT፣ ግራፊክ ዲዛይነር፣ መምህር ዓበይቲ፣ ወዘተ...

ነዞም ሞያታት እዚኦም፣ ደረጃ ምስክር ወረቐት ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ምስክር ወረቐት እዚ ነቲ ናይ ወጻኢ ሃገር ዲፕሎማኹም ኣብ ናይ ስዊዘርላንድ ስርዓተ ትምህርቲ ዘለዎ ዋጋ የርኢ። እዚ ምስክር ወረቐት ኣብ ስራሕ ምድላይኩም ውን ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ reconnaissance.swiss ናይ Secrétariat d’État à la formation, à la recherche et à l’innovation(ስቴት ሴክረታርያ ትምህርቲ፣ ምርምርን ምህዞን፣ SERI) ጠቓሚ ሓበሬታ ይህብ።

ቅድመ ትምህርቲ ምምሃር (ተመኩሮ) ምጽዳቕ

ዲፕሎማ የብልኩምን?

ሞያዊ ድሕረ ባይታኹም፣ ሞያውን ውልቃውን ተመኩሮኹም ኣፍልጦ ክወሃበኩም ክትፍትኑ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ኩሉ ተመክሮታት ከም ክፋል ናይ ሞያዊ ዲፕሎማ (CFC ወይ ድማ AFP) ወይ ድማ ከም ምሉእ ዲፕሎማ ክፍለጥ ይኽእል። እዚ መስርሕ እዚ፦ ምጽዳቕ ቅድመ ትምህርቲ ምምሃር (ተመክሮ) ይበሃል፣

እቲ Centre d'orientation scolaire et professionnelle(ማእከል መምርሒ ቤት ትምህርትን ሞያን፣ COSP) ናይ ካንቶን ጁራ ብዛዕባ እዚ ምጽዳቕ ይሕብረኩም። ኣብዚ መስርሕ ይመኽረኩም፣ ነጻ እዩ።

ናይ ትምህርቲ ምዝዛም ምስክር ወረቐት ዳግማይ ውሰዱ

ሞያዊ ተመኩሮ ኣለኩም፣ ግን ኣፍልጦ ዘለዎ ዲፕሎማ ወይ ድማ ናይ ትምህርቲ ምዝዛም ምስክር ወረቐት የብልኩምን? ናይ ስዊዘርላንድ ናይ ትምህርቲ ምዝዛም ምስክር ወረቐት ናይ ሞያዊ ስልጠና ፕሮግራም ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

እቲ መስርሕ ነቲ ምስክር ወረቐት ዳግማይ ንምውሳድ፣ ኣብ ትምህርቲኹም፣ ኣብ ሞያዊ ተመኩሮኹምን ዕድመኹምን እዩ ዝምርኮስ። ኣብ ዝኾነ ኩነታት፣ ጽቡቕ ፍልጠት ቋንቋ ፈረንሳ (ደረጃ B1/B2) ክህልወኩም ኣለዎ።

ንዝያዳ ሓበሬታ፣ ምስ Centre d’orientation scolaire et professionnelle(ማእከል መምርሒ ቤት ትምህርትን ሞያን፣ COSP) ርክብ ግበሩ። ነጻ እዩ።