ኣፓርታማ/መንበሪ ገዛ ምርካብ

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝካረዩ ኣፓርታማታት ይነብሩ። ኣፓርታማ ምርካብ ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን፣ እቲ ክራይ ገዛ ድማ ብሓፈሻ ልዑል እዩ።

ዕዳጋ መንበሪ ገዛ

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ብዙሓት ነበርቲ ኣብ ናይ ክራይ መንበሪ ይነብሩ። ተኻረይቲ እዮም። ናይ ህንጻ መሬት ውሑድ እዩ። በዚ ምኽንያት፣ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ብዙሕ ባዶ ኣፓርታማታት የለን። ክራይ ገዛ ድማ ብሓፈሻ ልዑል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፣ ኣስታት ¼ ናይ ወርሒ ኣታዊ ናብ ክራይ ገዛ እዩ ዝኸይድ።

ካብ ከተማታት ወጻኢ፣ ክራይ ገዛ ዝሓሰረ እዩ። ኣብ ዞባ Jura፣ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣዝዩ ጽቡቕ ምዕባለ ኣለዎ። ዳርጋ ኣብ ኩለን ከተማታትን ዓድታትን ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክትዘውሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣፓርታማ / መንበሪ ገዛ ምድላይ

ናይ ኣፓርታማታት ዝርዝር ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ወይ ኣብ ናይቲ ከባቢ ጋዜጣታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ኣብ ናይ ሓበሬታ ሰሌዳታት ወይ ኣብ ናይ ዕዳጋ ማእከላት እውን መወዓውዒታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ሓደ ግዜ፣ ናይ ባዶ ኣፓርታማታት ዝምልከት ህዝባዊ ዝርዝር የለን። ስለዚ ንኣዕሩኽትኹምን ንፈለጥትኹምን ኣፓርታማ ትደልዩ ከምዘለኹም ምሕባር ሓጋዚ እዩ።

መመልከቲ ምድላው

ኣብንብረት ተገዳስነት ኣለኩም ድዩ?

ምስ ወናኒ ገዛ ወይ ምስ ወኪል ንብረት ክትራኸቡ ኣለኩም። ነቲ ንብረት ንምርኣይ ቆጸራ ክግብረ እዩ።

ነዚ ንብረት ትፈትውዎ ዶ?

ሓደ ቅጥዒ ብምምላእ መመልከቲ ከተዳልዉ ኣለኩም፣ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ሓዊስኩም፦ ናይ ደሞዝ ወረቐትኩም (ወይ ካልእ ናይ ኣታዊኹም መረጋገጺ) ከምኡ’ውን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ Office des poursuites (ቤት ጽሕፈት ኣፈጻጽማ ዕዳ) ዝወጸ መግለጺ።

ነዚ መግለጺ እዚ ካብቲ ኣብ ኣውራጃኹም ዝርከብ Office des poursuites (ቤት ጽሕፈት ኣፈጻጽማ ዕዳ) ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም። ብኢንተርኔት እውን ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።

በዞም ሰነዳት እዚኦም፣ እቲ ወናኒ ገዛ ወይ ትካል ነቲ ናይ ኣፓርታማ ክራይ ክትከፍሉ ዓቕሚ እንተሃልዩኩም ከረጋግጽ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ኣፓርታማ ሓያሎ ኣመልከትቲ ይህልዉ።

ምኽሪ፦ ኣብ ሓደ እዋን ንሓያሎ ኣፓርታማታት ኣመልክቱ።

ኣፓርታማ / መንበሪ ገዛ ምግዛእ

ኣብ ካንቶን Jura፣ ናይ ስዊዘርላንድ ዜጋታት ከምኡ'ውን ናይ C መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ናይ ወጻኢ ዜጋታት፣ ኣፓርታማ ወይ መንበሪ ገዛ ብናጻ ክገዝኡ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ኤውሮጳዊት ሃገር (UE ወይ AELE) ናይ B መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት'ውን ከምኡ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ካልእ ሃገር ናይ B መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ኣብ ባዕሎም ዝነብሩሉ ኣፓርታማ ወይ መንበሪ ገዛ ጥራይ እዮም ክገዝኡ ዝኽእሉ።

ካልኦት ፍቓዳት (L ወይ F) ዘለዎም ሰባት ኣፓርታማ ወይ መንበሪ ገዛ ክገዝኡ ኣይክእሉን እዮም።

ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ registre foncier (ቤት ጽሕፈት መዝገብ መሬት) ተወከሱ።