1. ሓበሬታን ምኽርን
ናብ canton du Jura ዝኣትዉ ሰባት ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታን ምኽርን ይረኽቡ፣ ንኣብነት፦
- መዓልታዊ ህይወት
- መሰላትን ግዴታታትን
- ፈረንሳይኛ ትምህርትታት
- ሓገዝ ንእሽቶ ቆልዑ
- ስልጠና
- ስራሕ
- ካብ ዓሌታውነት ምክልኻል።
ኣብ እዋን ምምጻእ፣ ሰባት ናብ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኹም ክፍሊ ይዕደሙ። እቲ ምምሕዳር እቲ ካንቶን ድማ ይቕበሎም፣ ብዛዕባ ህይወት እቲ ካንቶንን ብዛዕባ ጠቓሚ ኣገልግሎታትን ድማ ሓበሬታ ይህብዎም።
ተወሳኺ ሓበሬታን ምኽርን ብዛዕባ ውህደትን ኣንጻር ዓሌታዊነት ምቅላስን እንተ ደሊኹም ምስቲ ቤት ጽሕፈት ርክብ ግበሩ፦
ቤት ጽሕፈት ውህደት ወጻእተኛታትን ኣንጻር ዓሌታውነትን (Bureau de l’Intégration des étrangers et de la lutte contre le racisme)
Faubourg des Capucins 20 – 2800 Delémont
ኢመይል፦ secr.bi@jura.ch
ስልኪ፦ 032 420 51 12
ሶኒን ሓሙስን ካብ 8፡30 ክሳብ 12፡00 ከምኡ‘ውን ካብ 13፡30 ክሳብ 16፡30
ዓርቢ ካብ 8፡30 ክሳብ 12፡00 ከምኡ'ውን ካብ 13፡30 ክሳብ 16፡00.
እቲ AJAM ብፍላይ ነቶም ካብ ዑቕባ ዝመጹ ሰባት ናይ ሓበሬታን ምኽርን ኣገልግሎት ይህብ።