ዕጸፋርስ (ሓሽሽ)፡ ኣልኮላዊ መስተ ከምኡ’ውን ትምባኾ

ሓሽሽ፣ ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ዝምልከት ሕግታት ምኽታል ኣገዳሲ እዩ። ክትፈልጥዎ ዘለኩም ኣብዚ ኣሎ።

ዕጸፋርስ

ብመሰረት ሕጊ ዕጸፋርስ: ምሓዝ፣ ምሻጥን ምጥቃምን ዕጸፋርስ ክልኩል እዩ። እዚ ንውሑድ ዓቐን ውን ይምልከት።

ንግዳዊ መሸጣ ዕጸፋርስ ብዝለዓለ መቕጻዕቲ ይቕጻዕ።

ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን

ንመሸጣ ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ናይ ዕድመ ገደብ ኣሎ። ኣብ ካንቶን ዩራ

  • ኣልኮላዊ መስተ ንትሕቲ 16 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት ክሽየጥ ኣይፍቀድን እዩ፤
  • ፍርያት ትምባኾን ኣልኮልን ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት ክሽየጥ ኣይፍቀድን እዩ።

እገዳ ምትካኽ ሽጋራ

እገዳ ምትካኽ ሽጋራ ብጥብቂ ዝተሓገገ እዩ።

እዚ ሕግታት ጥዕና ኩሉ ሰብ ንምሕላው የገልግል።

እገዳ ምትካኽ ሽጋራ ነዞም ዝስዕቡ ቦታታት ይምልከት፥

  • ዕጹዋት፣ ብህዝቢ ዝብጽሑ ቦታታት (ሆስፒታላት፣ ምምሕዳራት፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ቤተ መዘክር፣ ሲነማታት፣ ትያትራት፣ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን፣ ድኳናትን ማእከላት ዕዳጋን)፤
  • ሓያሎ ሰባት ዝሰርሑሉ ክፍልታት።

ኣብ ቤት መግቢ ሽጋራ ምትካኽ ይፍቀድ ድዩ ኣይፍቀድን ኣብ ስፍሓት ናይቲ ቤት መግቢ ይምርኮስ። ብዙሓት ቤት መግቢታት ፍሉያት ንምትካኽ ሽጋራ ዝኸውን ክፍልታት ኣለወን። ፉምዋር ይበሃሉ።

ገሊኦም ሰባት ሽጋራ ምትካኽ ወይ ምጥቃም ዕጸፋርስ ጠጠው ከብሉ የጸግሞም እዩ።

ገሊኦም ሰባት ሽጋራ ምትካኽ ወይ ዕጸፋርስ ምጥቃም ጠጠው ከብሉ የጸግሞም እዩ። እዞም ሰባት ውሉፋት (ትምባኾ፣ ዕጸፋርስ: ወዘተ) እዮም። ሓበሬታ ብዛዕባ ቀረባት ሓገዝን ምክልኻል ወልፍን ንኣብነት ኣብ ኣገልግሎት ረድኤትን ደገፍቲ ትካላትን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።