ገንዘበይ

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ናይ ባንክ ወይ ፖስታ ሕሳብ ክህልው ኣገዳሲ እዩ። ፋይናንስኹም ከተመሓድሩ፣ ደሞዝኩም ክትቅበሉን ሕሳብ ክትከፍሉን የኽእለኩም። ብዙሓት ሰባት ንዕድጊ ብዴቢት ወይ ብክረዲት ካርድ ይጥቀሙ። ሰባት ጥረ ገንዘብ ኣብ ዘይብሎም እዋን እውን ናይ Twint መተግበሪ ይጥቀሙ።

ሕሳብ ምህላው

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ናይ ባንክ ወይ ናይ ፖስታ ቤት ሕሳብ ኣለዎ። ብሓፈሻ፣ ኣስራሒ ነቲ ደሞዝ ኣብዚ ሕሳብ የቐምጦ።

ሕሳብ ምኽፋት ብነጻ እዩ። ነቲ ሕሳብ ንምምሕዳር ግን ዝተፈላለየ ክፍሊት ኣሎ። ወለድን ኣገልግሎትን ካብ ሓደ ባንክ ናብ ካልእ ባንክ ይፈላለ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ዝተፈላለዩ ቅድመ-ምድላዋት ምውድዳር ኣገዳሲ እዩ።

ሕሳብ ንምኽፋት ፓስፖርት ወይ ካልእ ናይ መንነት ሰነድ ከተቕርቡ ኣለኩም። ሓደ ሓደ ግዜ ባንክታት ካልእ ሰነዳት ይሓቱ።

ንኣብነት፣ ናይ መንበሪ መረጋገጺ።

ንዜጋታት ኣሜሪካ፣ ኣብ ኣሜሪካ ብዘሎ ፍሉይ ደንቢ፣ ሕሳብ ንምኽፋት ዝያዳ ኣጸጋሚ እዩ።

ባንክታት ዓማዊል ናይ ምእባይ መሰል ኣለወን።

ናይ ዴቢት ካርድን ክረዲት ካርድን

ብሓፈሻ፣ ሓደ ሰብ ኣብ ባንክ ወይ ፖስታ ቤት ሕሳብ ክኸፍት ከሎ ካብ ኤቲኤም (ATM) ጥረ ገንዘብ ከውጽእ ወይ ኣብ መብዛሕትአን ድኳናት ክኸፍል ካርድ ይረክብ። እዚ ካርድ እዚ ናይ ዴቢት ካርድ እዩ (ንኣብነት፣ Maestro)።

ናይ ክረዲት ካርድ ምርካብ እውን ይከኣል እዩ።

ዴቢት ወይ ክረዲት ካርድ፦ እንታይ እዩ ኣፈላላዩ?

ብዴቢት ካርድ ካብ ሕሳብኩም ብገንዘብ ኢኹም ትኸፍሉ።

ብክረዲት ካርድ ካብ ባንክ ብገንዘብ ኢኹም ትኸፍሉ።

ነዚ ገንዘብ ጸንሒኩም ክትመልስዎ ኣለኩም።

ክፍሊት ካርድ (ዴቢት ወይ ክረዲት) ካብ ሓደ ባንክ ናብ ካልእ ባንክ ኣዝዩ ክፈላለ ይኽእል። ቅድመ-ምድላዋት ምውድዳር ዋጋ ኣለዎ።

እዘን ካርድታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት እውን ክትጥቀሙሎም ትኽእሉ ኢኹም።

ሕሳብ ምኽፋል

ብሓፈሻ፣ ሕሳብኩም ብፖስታ (ምስ QR-ክፍሊት) ወይ ብኢመይል ኢኹም ትቕበሉ። ብቐጥታ ኣብ ሕሳብኩም እውን ክትቅበሉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ነዚ ንምግባር ግን ከተረጋግጽዎም ኣለኩም (ኢ-ክፍሊት)።

ክትከፍሉ እትኽእሉሉ ሓያሎ መንገድታት ኣለዉ፦

  • ብኢ-ባንኪንግ ፦ ብዙሓት ሰባት ብኢንተርኔት ይኸፍሉ። ውሑስ እዩ።
  • ብTwint ዝበሃል ናብ ሞባይልኩም እውርድዎ መተግበሪ፦ ነቲ QR-ክፍሊት ስካን ጌርኩም ክትከፍሉ ትኽእሉ።
  • ኣብ ቆጸራ፦ ብቐጥታ ኣብ ቆጸራ ፖስታ ክትከፍሉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ምስቲ QR-ክፍሊት።
  • ብፖስታ፦ ናይ ክፍሊት ትእዛዛትኩም ናብ ባንክኹም ወይ ናብ ፖስታ ቤት ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም።

ብቐጻሊ ሓደ ዓይነት ሕሳብ ምስትቕበሉ (ንኣብነት፣ ናይ ገዛኹም ክራይ ንምኽፋል)፣ ደው ዝበለ ናይ ክፍሊት ትእዛዝ ከተዳልዉ ትኽእሉ ኢኹም።

ወይ ድማ ገንዘብ ብኣውቶማቲክ ካብ ሕሳብክኡም ክወጽእ ፍቓድ ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ድማ፦ ንLSV ቀጥታዊ ዴቢት ፍቓድ ይበሃል።

ብሓፈሻ፣ ሕሳብኩም ክትከፍሉ 30 መዓልታት ይህልወኩም።

ሓደ ሓደ ግዜ ግን እቲ ናይ ግዜ ገደብ ይሓጽር እዩ።

እንተዘይከፊልኩም መብዝዛሕቲኡ ግዜ መዘኻኸሪ ይመጸኩም። ሽዑ ክትኽሰሱ ትኽእሉ ኢኹም።

ገንዘብ ናብ ወጻኢ ሃገራት ምልኣኽ

ናብ ወጻኢ ሃገር ገንዘብ ንምልኣኽ፣ ብባንክኹም ወይ ብፖስታ ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም። ግን ብመንገዲ ናይ ገንዘብ ምትሕልላፍ ኩባንያ እውን ይከአል እዩ።

ገንዘብ ምልኣኽ ብነጻ ኣይኮነን። ክፍሊት ይሓትት እዩ፣ እዚ ድማ ከከምቲ ትጥቀመሉ ናይ ምትሕልላፍ ኩባንያ ይፈላለ እዩ።

ኩሉ ግዜ እዚ ናይ ዝውውር ትካል ብሓቂ ኣብታ ገንዘብ እትሰዱላ ሃገር እንተሃልዩ ንምርኣይ ኣረጋግጹ።

ዝኾነ ጥርጣረ እንተሃልዩኩም፣ በዚ ትካል ገንዘብ ከይትሰዱ