ዓሌትነት እንታይ እዩ?
ዓሌትነት ማለት ሰባት ንሓደ ጉጅለ ሰባት ብሰንኪ ኣካላዊ መልክዖም (ሕብሪ ቆርበቶም)፣ መበቆሎም ወይ ሃይማኖቶም ካብ ካልኦት ዝሓሹ ወይ ዝገደዱ ኢሎም ክኣምኑ ከለዉ እዩ።
ዓሌትነት ናይ ስልጣን ጉዳይ እዩ። ንዝተወሰኑ ጉጅለታት ሰባት ንምድኻምን ንካልኦት ድማ ንምድልዳል እዩ ዝጥቀም።
ዓሌትነት ኣብ ብዙሕ መዳያት መዓልታዊ ህይወት ከም ስራሕ፣ መንበሪ ገዛ ኣብ ምርካብ፣ ወይ ምስ ጎረባብቲ ኣብ ዘሎ ርክብ ኣሎ።
ዓሌትነት ብዙሕ መልክዕ ክህልዎ ይኽእል እዩ፦ ጸርፊ፣ መጥቃዕቲ፣ ከምኡ'ውን ምግላል።
ዓሌትነት ኩሉ ግዜ ኮነ ኢልካ ወይ ብምፍላጥ ዝፍጸም ኣይኮነን። ኣብ ሕብረተሰብና፣ ትካላትን ማሕበራዊ ልምድታትናን ብዕምቆት ሱር ዝሰደደ እዩ። ንኣብነት፣ ጸረ ጸለምቲ ዓሌትነት ምስ ታሪኽና ምስ መግዛእትን ባርነትን ዝተኣሳሰር እዩ።