ርክብ ምግባር
ምስ ጎረባብቲ ዘለኩም ጽቡቕ ርክብ ንህይወት ንኹሉ ሰብ ዝያዳ ባህ ዘብል ይገብሮ። ጽቡቕ ዝምድናታት ንምፍጣር፣ ናብ ሓድሽ ኣፓርታማ ወይ ገዛ ክትግዕዙ ከለኹም ምስ ጎረባብትኹም ክትላለዩ ይምከር።
ኣብ ብዙሓት ከባቢታት፣ ጎረባብቲ በብግዜኡ ብሓባር ክእከቡ ልሙድ እዩ፣ ንኣብነት፣ ኣብ ናይ ጎረባብቲ ድግስ ወይ ኣብ ባርበኪዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ጎረባብቱ ዝያዳ ስሩዕ ርክብን ምሕዝነትን ክህልዎ ወይ ከይህልዎ ናጻ እዩ። ብኻልእ መንገዲ'ውን ምስ ሰባት ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ ኣብ ከባቢኹም ኣብ ዝርከባ ማሕበራትን ክለባትን (ስፖርት፣ ደርፊ ወይ ልእ) ኣብ ዝገብርኦ ንጥፈታት ብምስታፍ።