ቲቪ / ኢንተርኔት / ስልኪ

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት፣ ስልክን ናይ ገመድ ቲቪን ኣለዉ። እዞም ዕድላት እዚኦም ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ እትነብሩሉ ቦታ ይምርኮሱ። ዳርጋ ኩሎም ነበርቲ ንሬድዮን ቴሌቪዥንን ግብሪ ክኸፍሉ ኣለዎም።

ናይ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ክፍሊት

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መደብ ሬድዮ ወይ ተለቪዥን ዝቕበል መሳርሒ ዘለዎ ገዛ (ነፍሲ ወከፍ ኣፓርታማ)- ምስ ኢንተርኔት ወይ ስልኪ ዝተኣሳሰረት ኮምፒተር ሓዊሱ- ሬድዮን ተለቪዥንን ንምጥቃም ክፍሊት ክኽፈል ኣለዎ። እዚ ናይ ፍቃድ ክፍሊት እዩ።

እዚ ክፍሊት እዚ ንመደባት télévision et radio Suisse (ተለቪዥንን ሬድዮን ስዊዘርላንድ) (SSR) ይድግፍ። እቲ ክፍሊትብSerafe (ሰራፌ)እዩ ዝእከብ።

ተወሰኽቲ ረብሓታት(PC) ዝረኽቡ ሰባት ክፍሊት ፍቓድ ካብ ምኽፋል ነጻ እዮም።

ስልኪ፣ ኢንተርኔት፣ ናይ ገመድ ቴሌቪዥን

ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ስልኪ፣ ኢንተርኔት፣ ቴሌቪዥን ኣገልግሎታት ዝህቡ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣለዉ። ወሃብቲ ኣገልግሎት ካብ ዞባ ናብ ዞባ ይፈላለዩ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ካብ ህንጻ ናብ ህንጻ ከይተረፈ ይፈላለዩ። ዋጋታትን ኣገልግሎታትን ካብ ሓደ ወሃቢ ናብ ካልእ ይፈላለ እዩ። ምኽሪ፦ ነቲ እተቕርቡሉ ቅድመ-ምድላዋት ኣነጻጽርዎ።

ብሓፈሻ፣ ኣብ ገዛ ዝግበር ምትእስሳር ኢንተርነት ኣዝዩ ቅልጡፍ እዩ። ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ኣብ ገዝኡ ኢንተርኔት ስለዘለዎ፣ ብዙሓት « ኢንተርነት ካፈታት » (ወይ ሳይበርካፌታት) የለዋን።