መድሕን ስንክልና
መድሕን ስንክልና (AI) መሰረታዊ ሃገራዊ መድሕን እዩ።
ኩሎም ዓበይቲ ሰባት ኣብ AI ኣበርክቶ ክገብሩ ኣለዎም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፣ ናይቲ ሰራሕተኛ ደሞዝ ሓደ ክፋል ንAI ንምኽፋል ይዕቀብ። እዚ ፍርቂ ናይቲ ኣበርክቶ እዩ። እቲ ኣስራሒ ነቲ ካልእ ፍርቂ ይኸፍሎ።
ባዕሎም ዝሰርሑን ስራሕ ኣልቦን እውን ኣበርክቶኦም ክኸፍሉ ኣለዎም። ነዚ ንምግባር ድማ ኣብቲ ዝነብሩሉ ኮሙን ዝርከብ ትካል AVS/AI ከመልክቱ ኣለዎም።