መንበሪ ፍቓዳት

ኣብ ስዊዘርላንድ ክነብር ወይ ክሰርሕ ዝደሊ ሰብ መንበሪ ፍቓድ የድልዮ። ዝተፈላለዩ ዓይነታት መንበሪ ፍቓድ ኣለዉ። ናይ ወጻእተኛ መለለዪ ካርድ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ

ዝተፈላለየ መልክዕ ፍቓድ

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝሰርሕ ወይ ልዕሊ 3 ወርሒ ኣብዚ ዝጸንሕ ሰብ ፍቓድ የድልዮ።

ንዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ወይ EFTA ከምኡ’ውን ንዜጋታት ካልኦት ሃገራት (ካብ ሕብረት ኤውሮጳን EFTAን ወጻኢ) ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ይምልከቱ።

እዚ ፍቓድ እዚ ብቤት ጽሕፈት ህዝቢ (Service de la Population) ናይ ካንቶን ዩራ ዝወሃብ እዩ። ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሰሌዳ ነቶም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣጠቓሊሉ የቕርብ።

ንሓተትቲ ዑቕባ፤

ናብ ስዊዘርላንድ ዝመጹ ሰባት ዑቕባካርድ ምሕታት ካልእ ዓይነት መለለዪ ኣለዎም።

ናይ ወጻእተኛ መለለዪ ካርድ

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ወጻእተኛታት ካርድ ይውሃቦም። ዓይነት መለለዪ ካርድ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለን ኣብ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት (ንኣብነት መበቆል ሃገር) ይምርኮስ።

ኩሎም መለለዪ ካርድታት ከም ባዮሜትሪክ ካርድ እዮም ዝስርሑ።

ሰባት መለለዪ ካርዶም ንኸውጽኡ ናብቲ ኣብ ደለሞን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፓስፖርት ብምኻድ ባዮሜትሪክ ሰነዳቶም (ዲጂታላዊ ኣሰር ኣጻብዕትን ስእልን) ከመዝግቡ ኣለዎም።

መለለዪ ካርድኻ እንተተሰሪቑ ወይ እንተጠፊኡ ብቕልጡፍ ናብ ፖሊስ ክትሕብር ኣለካ።

ምንዋሕ/ምሕዳስ መንበሪ ፍቓድ

ፍቃድካ ከከም ኩነታት መንበሪ ፍቃድካን ዜግነትካን ብዘተፈላለዩ ክሕድስ እዩ ዜግነትካ። ቅጥዒ ክትቅበሉ ኢኹም። ነዚ ቅጥዒ ቅድሚ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ምውዳኡ መሊእኩም ክትመልስዎ ኣለኩም። እቲ ምንዋሕ ብኡንብኡ ዝፍጸም ኣይኮነን። ምስ ገለ ቅድመ ኩነታት ዝተኣሳሰረ እዩ። ንኣብነት፥ ቋንቋ ፈረንሳ ምምሃር።

ሓደ ሓደ ግዜ ምሕዳስ ይንጸግ። ንኣብነት፦

  • እቲ ሰብ ገበነኛ እንተ ኮይኑ፤
  • እቲ ሰብ ንነዊሕ እዋን ማሕበራዊ ሓገዝ ይውሃቦ እንተ ኮይኑ ።