እቲ ናይ ምቑጻር ስራሕ ውዕል
እቶም ውዕላት ምቑጻር ስራሕ ንቡር ብጽሑፍ ይፍረሙ። ግን ናይ ኣፋዊ ውዕል እውን ቅኑዕ እዩ።
ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰሩ ሕግታት ኣብ ሕጊ ግዴታታት ይርከቡ። እዚ ሰነድ'ዚ ኣብ ሕጊ ስራሕ ክኽበሩ ዘለዎም ትሑት መለክዒታት (እቶም ትሑት ሕግታት) የቐምጥ።
ሳላ እዚ ዋላ ዝተጸሓፈ ናይ ምቑጻር ስራሕ ውዕል ዘይብሎም ሰባት መሰል ኣለዎም፣ ግን ከኣ ግዴታታት'ውን ኣለዎም።
ሰራሕተኛታትን ኣስራሕትን ዝተፈላለየ መሰላትን ግዴታታትን ኣለዎም። ንኣብነት፣ ዝለዓለ ናይ ስራሕ ሰዓታት፣ ናይ ዕረፍቲ መሰል፣ ከምኡ’ውን ሽፋን መድሕን ብሕጊ ዝመሓደሩ እዮም።
እቶም ውዕላት ምቑጻር ስራሕ ንቡር ብጽሑፍ ይፍረሙ። ግን ናይ ኣፋዊ ውዕል እውን ቅኑዕ እዩ።
ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰሩ ሕግታት ኣብ ሕጊ ግዴታታት ይርከቡ። እዚ ሰነድ'ዚ ኣብ ሕጊ ስራሕ ክኽበሩ ዘለዎም ትሑት መለክዒታት (እቶም ትሑት ሕግታት) የቐምጥ።
ሳላ እዚ ዋላ ዝተጸሓፈ ናይ ምቑጻር ስራሕ ውዕል ዘይብሎም ሰባት መሰል ኣለዎም፣ ግን ከኣ ግዴታታት'ውን ኣለዎም።
ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ሰራሕተኛታት መሰላትን ግዴታታትን ኣለዎም።
ካብቶም ኣገደስቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
መሰል መድሕን፦ እቲ ኣስራሒ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ማሕበራዊ መድሕን ክምዝግቦም ኣለዎ። ናይ ሓደጋ መድሕን ክወስዱሎም ከምኡ'ውን ክፋል ናይቲ ክፍሊት ክኸፍሉ ኣለዎም።
ኩሎም ሰራሕተኛታት ብውሕዱ 4 ሰሙናት ዝኽፈል ዕረፍቲ (5 ሰሙን ን ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት) ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። እዚ ነቶም ኣብ ሰዓት ደሞዝ ዝረኽቡ ወይ ድማ ኣብ ከፊል ግዜ ዝሰርሑ ሰባት እውን፣ ብመሰረት ናይ ስራሕ ሰዓቶም።
ዝለዓለ ቁጽሪ ሰዓታት ስራሕ ኣብ ሰሙን 50 ሰዓታት እዩ። ኣብ ብዙሕ ሞያታት ድማ 45 ሰዓታት እዩ።
ሰራሕተኛታት ዝተጻሓፈ ናይ ስራሕ ምስክር ወረቐት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።
ዝሓመመ ሰብ ንዝተወሰነ ግዜ ደሞዙ ምቕባል ይቕጽል።
ነፍሰጾር ደቂ ኣንስትዮን ዝወለዳ ደቂ ኣንስትዮን ፍሉይ መሰላትኣለወን።
ብዛዕባ ምኽባር መሰልኩም ጥርጣረ ኣለኩም ዶ?
ምስ Service de l’économie et de l’emploi (ናይ ቁጠባን ስራሕን ኣገልግሎት) (SEE)፣ ማሕበር ሰራሕተኛታት፣ ወይ ድማ ምስ Conseil de prud'hommes (ናብ ቤት ምኽሪ ስራሕ) ቤት ፍርዲ ስራሕ ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።
እቲ ሕጊ ስዊዘርላንድ ዝተሓተ ደሞዝ ኣይገልጽን።
ኣብ ካንቶን jura ግን፣ ሓደ ኣሎ።
ኣብ Jura ካብ 21.40 ፍራንክ ንታሕቲ ናይ ሰዓት ደሞዝ ክኸፍል ኣይፍቀድን እዩ
ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንተመሳሳሊ ስራሕ ተመሳሳሊ ደሞዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።
ኣብ ዝተወሰኑ ናይ ሓባር ናይ ስራሕ ስምምዓት (CCT)፣ ንሓደ ዓውዲ ስራሕ ዝተሓተ ደሞዝ ይውሰን። ሓያሎ ዓውድታት ስራሕ ናይ ሓባር ናይ ስራሕ ስምምዕ (CCT) ፈሪሞም ኣለዉ።
እቲ ሓፈሻዊ ደሞዝ ኣብ ናይ ስራሕ ውዕል ዝተገለጸ ደሞዝ እዩ።
እቲ ጽሩይ ደሞዝ ማለት ድሕሪ ምቑራጽ ኣበርክቶ ማሕበራዊ መድሕን ዝተረፈ ደሞዝ እዩ።
ናይ ስራሕ ውዕል ኣብ ዝቋረጸሉ እዋን፣ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ነቲ ብውዕል ዝቐረበ ናይ ምልክታ ግዜ ከኽብሩ ኣለዎም።
ቅልጡፍ ምቁራጽ ስራሕ፣ ብዘይ ምልክታ ወይ ድማ ቅድመ መጠንቀቕታ፣ ኣይፍቀዱን እዮም። ብዘይ ኣብ ፍሉይ ኩነታት።
እቲ ኣስራሒ ነቲ ውዕል ምስ ኣቋረጾ፣ ካብ ስራሕ ምብራር ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ምኽንያታት ካብ ስራሕ ምብራር ብጽሑፍ ንምቕባል ኩሉ ግዜ ይከኣል እዩ። ንዕኡ ድማ ንኣስራሒኹም ክትሓቱ ኣለኩም።
ሓደ ንዝሓመመ፣ ሓደጋ ዘጋጠሞ፣ ነፍሰ ጾር ዝኾነት ወይ ድማ ዝወለደት ሰብ፣ ካብ ስራሕ ካብ ምብራር ብፍሉይ ይሕሎ።
ዘይፍትሓዊ ምብራር፣ ብዘይ ቅኑዕ ምኽንያታት፣ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ሰራሕተኛ ናይ ባዕሉ ውዕሊ እንተ ኣቋሪጹ፣ ካብ ስራሕ ምልቃቕ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ስራሕ ምልቃቕ ኣብ መሰል [ናይ ስራሕ ኣልቦነት መድሕን (መዓልታት መቕጻዕቲ) ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል። ብድሕሪኡ ካብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ሓገዝ ዝወሓደ ገንዘብ ይረክቡ።